ፕሬዝደንት ሰኔጋል ብዛዕባ ኤርትራ ተዛሪቡዎ ተባሂሉ ዝቐረበ ሓበሬታ ግጉይ’ዩ

The information that the Senegalese president said about Eritrea is wrong

26 ሓምለ 2015 ዓ.ም

ኣብዚ ሰሙን ኣኼባ ሩስያ – ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ሴይንት ፔተርስበርግ ኣብ ዝተጋብኣሉ እዋን ፕሬዝደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል ብዛዕባ ኤርትራ ተዛሪቡዎ ተባሂሉ ብሰፊሑ ዝውዛዕ ሓበሬታ ምህላው ተዓዚብና።

እዚ ሓበሬታ ብፍላይ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ብተደጋጋሚ ክቐርብ እንከሎ እቲ ማዕከን ዜና ቅድሚ ክልተ መዓልቲ “ምኽንያት ስእነት ሰላም ኣፍሪቃ ግብረ ራዕድን ዘይምርግጋእን እዩ። ከም ኤርትራ ዝበላ ንኣሽቱ ሃገራት ድማ እዚ ጉዳይ ብምትብባዕ ቀንዲ ምኽንያት ስእነት ሰላም ኣፍሪቃ ይዀና ኣለዋ ክብል ፕሬዝደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል ገሊጹ” ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

ኢትዮጵያ ቼክ ፕሬዝደንት ማኪ ሳል ኣብቲ ዋዕላ ዘስምዖ ዘረባ ዝቐረበሉ ቪድዮ ክዕዘብ እንከሎ ኣብቲ ኣኼባ ዝቐረበ መግለጺ ካብ ቋንቋ ፈረንሳ ናብ ኢንግሊዘኛ ዝትርጉም ዝነበረ ተርጓሚ ብምግጋይ ቃላት ብዝፈጸሞ ስሕተት ዝስዓበ ምዃኑ ክዕዘብ ክኢሉ ኣሎ (ካብ 3:21:25 ጀሚሩ https://www.youtube.com/live/-o2AT-thLgM?feature=share)

በዚ መሰረት “Nous avons de micro états, hérités du congrès de Berlin” ብምባል ፕሬዝደንት ሰኔጋል ብቋንቋ ፈረንሳ ዘስምዖ ዘረባ ናብ ኢንግሊዘኛ ብትኽክል ክትርጐም እንከሎ “We have micro state that we inherited from Berlin Congress” ይኸውን።

ይኹን’ምበር እቲ ተርጓሚ “hérité” ወይ ብኢንግሊዘኛ “inherited” ዝብል ቃል “Eritrea/ኤርትራ” ዝብል ግጉይ ትርጉም ክህቦ ተዓዚብና።

እዚ ድማ ከም ትግራይ ቴሌቪዥን ዝበሉ እቲ ግጉይ ትርጉም ኢንግሊዘኛ ብቐጥታ ዝወሰዱ ማዕከናት ሓበሬታ ክጋገዩ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

ፕሬዝደንት ማኪ ሳል ኣብ ኣኼባ ሩስያ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኤርትራ ዘስምዖ ዘረባ እኳ እንተዘይሃለወ እታ ሃገር ኣብቲ ዞባ ጸገማት ብምፍጣርን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ገለ ሃገራት ምዕራብን ተደጋጋሚ ክሲ ክቐርበላ ጸኒሑ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ቀረባ ብስምምዕ ሰላም ኣብ ዝሃድአ ሕሱም ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ወተሃደራት ኤርትራ ብርክት ዝበሉ ገበናት ኣብ ክልል ትግራይ ከም ዝፈጸሙ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይሕብሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን ነዞም ክስታት ብተደጋጋሚ ክነጽጐም ይስማዕ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::