ኣብ ላይቤሪያ እናዓበየ ዝመጽአ ማዕበል ጽልኢ ከም ዘተሓሳሰቦም ሲቪክ ማሕበራት እታ ሃገር ገሊጾም

25 ግንቦት 2015 ዓ.ም

  1. ሲቪክ ማሕበራት ላይበርያ ኣብታ ሃገር እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ማዕበል ጽልኢ ዝምልከት ስክፍታኦም ይገልጹ ኣለዉ። ኔይሞት ፓርትነርስ ፎር ዴሞክራቲክ ዲቨሎፕመንት ዝተባህለ ትካል ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ማዕበል ጽልኢ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ምርጫ እታ ሃገር ሓደጋ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ትካል፡ መንግስትን ተቓወምቲ ውድባትን እታ ሃገር ጽልኢ ካብ ዘለዓዕል መግለጺታት ክቑጠቡ ጻውዒት ተማሕጺኑ።
  2. ቻይና ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ 1.4 ሚልዮን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተጠቅዑ ሓበሬታት (posts) ከም ዘልገሰትን 67 ሽሕ ኣካውንት ከም ዝሰረዘትን ሮይተርስ ሓቢሩ። ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ምምሕዳር ሳይበርስፔስ ቻይና (Cyberspace Administration of China) እቶም ዝተኣልዩን ዝተደምሰሱን ልጣፋትን ኣካውንትታትን ናይ ሓሶትን ዝንቡዕን ሓበሬታ ብምዝርጋሕ፣ ኣስማትን ምስልን ሰበ ስልጣን መንግስትን ካልኦት ሰባትን ተጠቒሞም ናይ ሓሶት ኣካውንት ብምኽፋት፣ ካልእ ኣሉታዊ ተግባራት ብምፍጻም ዝተኸሰሱ እዮም ኢሉ። ይኹን’ምበር ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ስጉምቲ ፖለቲካዊ ድፍኢት ኣለዎ ክብሉ ከም ዝነቐፍዎ ይግለጽ።
  3. ባይቶ ኔዘርላንድ ትዊተር ኣብቲ መድረኽ ዝመሓላለፉ ዘለው ትሕዝቶታት ምፍርራሕ ክቆጻጸር ሓቲቱ። ኣፈኛ ባይቶ እታ ሃገር ቬራ በርግካምፕ ኣብ ዝጸሓፎ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ኣባላት ሓጋጊ ኣካል ሆላንድ እቲ ኩባንያ ብመንገዲ ትዊተር መልእኽታት ምፍርራሕ እኳ እንተበጽሖም ዝዀነ ስጉምቲ ኣይወሰደን ክብል ነቒፉ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ሲግሪድ ካግ ኣብ ትዊተር ድሕሪ ዝበጽሖ ምፍርራሕ ዓርሱ ካብ ፖለቲካ ከም ዘግለለ ኣፍሊጡ እዩ።        መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ጸብጻባት

 
– ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ እዋናዊ መረጃ ንማዕኸናት ዜና ምሃብ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምቅላስ ብዛዕባ ዘለዎ እጃም ኣቕሪብና፡
https://t.me/ethiopiacheck/2018
– ከምኡ’ውን ምስ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ዝተወዝዐ ተግባር ምትላል ዝምልከት ሓበሬታ ኣቕሪብና፡
https://t.me/ethiopiacheck/2019
– ሽምን ምልክትን ትግራይ ቴሌቪዥን ብምጥቃም ብዛዕባ ዝተኸፍቱ ኣካውንታት ቴሌግራም’ውን ዳህሲስና፡
https://t.me/ethiopiacheck/2020
– ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ግንዛበ ዝህብ ጽሑፍ ብቋንቋ ኦሮምኛ ኣቕሪብና፡
https://t.me/ethiopiacheck/2021

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::