“ዘረባ ጽልኣትን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ሰላም ዜጋታት ኣብ ምንጋዕ ዕዙዝ እጃም አለዎ” በዓል መዚ መገናኛ ብዙኃን ኢትዮጵያ

TikTok agrees to have its content moderated in Kenya

መጋቢት 08፣2015 ዓ.ም

  1. ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘረባ ጽልኣትን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ሰላም ዜጋታት ኣብ ምንጋዕ ዕዙዝ እጃም ከም ዘለዎ በዓል መዚ ሚዲያ ኢትዮጵያ ገሊጹ። እቲ በዓል መዚ ኣብዚ ሰሙን ከም ዝገለጾ “እዚ ተግባር ንምክልኻልን ዓርስና ከምኡ’ውን ሰላም ወገናትና ንምሕላው እንረኽቦ ሓበሬታ ትኽክለኛ ምዃኑ እንከየረጋገጽና ናብ ካልኦት ብዘይምክፋልን ዘረባ ጽልኣትን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ዝውዝዑ ሰባት ብምቅላዕን ዜግነታዊ ሓላፍነትና ክንዋጻእ ይግባእ” ኢሉ።
  2. ፖሊስን ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ዞባ ሃላባ ኣብቲ ከባቢ “ሃይማኖታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገይሩ ዝውዛዕ ዘሎ ሓበሬታ ሓሶት እዩ” ኢሉ። ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ተመሃሪት ዘካይዶ ዘሎ መርመራ ኣመልኪቱ ሃይማኖታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነ ገይርካ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ከም ዝኾነ መምህር ፖሊስ ዞን ሃላባን ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ኣፍሊጡ። ተኸተልቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ከተማ ሃላባ ብምክብባርን ብሰላምን ከም ዝነብሩ ብምግላጽ ፖሊስን ቤት ፍርድን ሕጊ ተኸቲሎም ክሰርሑን ትውፊት ሓቢርካ ምንባር እቲ ማሕበረሰብ ብዝብክል መልክዑ ዝውዛዕ ዘሎ “ናይ ሓበሬታ” ግብር ከም ዘይኮነ ገሊጹ።
  3. ብ”ዲፕ ፌክ” ዝተመስርሑ ምስልታት ኣብ ቬንዙዌላ ብብዝሒ ይዝርግሑ ከም ዘለው ተገሊጹ። እዞም ማእከሉ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ብዝገበረ ሓደ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ዝተሰርሐ መተግበሪ ዝተወሃሃዱ ቪድዮታት ምምሕዳር ኒኮላስ ማድሮ ዝንእዱ ሓበሬታታት ዝተሰርሑ እዮም። መንግስቲ እታ ሃገር እውን ምስሉ ንምህናጽ ብሰፊሑ ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ፋይናንሻል ታይምስ ጸብጺቡ።

✅️ መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዝቕረብናዮም ሓበሬታታት

– ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ቋንቋ ኦሮምኛ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘነጻጸሩ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ዝምልከት ኣቕሪብና

https://t.me/ethiopiacheck/1905

– “መቐለ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ሰሙንስራሕ ክጅምር እዩ” ዝብል ዜና ጌጋ ምዃኑ ኣጻሪና ብቋንቀታት ትግርኛን ኣምሓርኛን ኣቕሪብና

https://t.me/ethiopiacheck/1906

https://t.me/ethiopiacheck/1907

– ስእልን ስምን ዶክተር ወዳጄነህ መሓረነ ብምጥቃም ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝተኸፍተ ናይ ትዊተር ኣካውንት ዝምልከት ሓበሬታ ኣካፊልና

https://t.me/ethiopiacheck/1908

– ኣብ ቦረና ብደርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝተላእኸ ረድኤት ይሽየጥ ምህላው ዝገልጽ ሓበሬታ ኣጻሪና ኣቕሪብና

https://t.me/ethiopiacheck/1909

– ሓደ ሓበሬታ ሓቂ ምዃኑ ኣሚንና ንክንቕበልን ክነካፍልን ክገብሩና ዝኽእሉ ምኽንያታት ብቪድዮ ኣካፊልናኩም

https://t.me/ethiopiacheck/1911

– ኣብ መወዳእታ መንነት ዘታልሉ ድረ ገጻት ዝምልከት ብቋንቋ ትግርኛ ኣቕሪብና

https://t.me/ethiopiacheck/1912

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::